ላዛ ትግርኛ Laza Tigrigna

ላዛ ትግርኛ Laza Tigrigna ሓደሽቲ ሓበሬታታት ፣ ሓደሽቲ ሓሳባት ፣
ፍልይ ዝበሉ ትንታነታት ብቋንቋ ትግርኛ ተኸሺኖም ዝቐርብሉ ናትኩም ኣማራፅን ተወሳኽን ሚድያ!
ላዛ ትግርኛ ሚድያን ኮሚዩኒኬሽንስን

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይኣብ ትግራይ ዝተረፉ ናይ ተቓውሞ ድምፅታት ንምጥፋእ ዘንቀለ ሓይሊ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ፡ ስልጣን ናይ መወዳእታ ሽትኡ ብዝገበረን ዘይረዊ ህንፉፍ ናይ ስልጣን ሽው...
05/11/2026

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

ኣብ ትግራይ ዝተረፉ ናይ ተቓውሞ ድምፅታት ንምጥፋእ ዘንቀለ ሓይሊ ህወሓት

ህዝቢ ትግራይ፡ ስልጣን ናይ መወዳእታ ሽትኡ ብዝገበረን ዘይረዊ ህንፉፍ ናይ ስልጣን ሽውሃቱ ንምምላእ ብዝተግህን ሓይሊ ጅሆ ተታሒዙ ይሳቐይ ኣሎ። እዚ ሓይሊ ንሕጋዊ፣ ፖለቲካውን ሞራላውን መዳያይቦታት ስልጣን ረጋጊፁ ኣብ እንግድዓ ህዝብና ተኾይጡ ኣሎ። እዚ ኸይዲ፡ ህዝብና ዝኸዓቦ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ዝነፀጎን ፖለቲካ ሓይልታት ትግራይ ድማ ዝተቓወምዎን ተግባርን ከይድን ዋላ እንተኾይነ፤ ብሓይለ-መልጢ ስልጣን ዝጨበጠ እዚ ሓይሊዘይሕጋውን ዘይሞራላውን ተግባራቱ ኣጠናኺሩ ቀፂልሉ ኣሎ።

ኣካል እዚ ዘይሕጋዊ ተግባራቱ ድማ ህልውና ብዘይብሉ “ቤት ምኽሪ” ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣሕሊፉን “ፕረዚዳንት” መሪፁን እዩ። ቀፃሊ ዕማም እዚ ብጉልበት ስልጣን ዝተቖፃፀረ ሓይሊ ድማ፡ ኣብ ትግራይ ዝተረፉ ናይ ተቓውሞ ድምፅታት ምጥፋእ ምዃኑ ምርዳእ ክኢልና ኣለና። “ንኢሱኒ’ያ ተበልኩስ ተቖርሚሙኒ” ከምዝበሃል ቀደሙ እውን እንተኾነ መማረፂ ሓሳብ ንዘለዎም ውዳበታትን ውልቀሳባትን ዘወሳውስ ባይታ ዝኸልከለ ሓይሊ፤ ሐዚ ድማ ብዝበኣሰ ፖለቲካ ምህዳር ትግራይ ሙሉእ ንሙሉእ ልኩት ኣቢሉ ክዓፅዎ እዩ። እዚ ግናይ ተግባር ብርኪ ተቓላዕነትን ሓደጋታትን ትግራይ ብምግዳድ ከይዲ ጥፍኣት ትግራይ ዘቀላጥፍ ምዃኑ ልቢ ክበሃለሉ ይግባእ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ መዋፅኦ ትግራይ ኣብ ኢድ ንብሄራዊ ህላውኡን ረብሓታቱን ዝረጋረግ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ፤ ህልውናን ረብሓን ትግራይ ንምርግጋፅ ዝረባረቡ ብሄራውያን ውዳበታትን ኣካላትን ድማ ብፍላይ ዝተደረኸ ምዃኑ ይኣምን። ስለዝኾነ ብሄራውያን ሓይልታት ትግራይ፡ ዓድናን ህዝብናን ተደጊስሎም ካብ ዘሎ ሓደጋጥፍኣት ንምድሓን ሓላፍነት ወሲድካ ምስራሕ ዝጠልበሉ ፍሉይ ኩነታት ከምዝተፈጠረ ብምእማን ኣብ ምድሓን ህዝብናን ዓድናን ክንሰምር ይግባእ።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ
ግንቦት 3/2018
መቐለ ትግራይ

ሰሙናዊ መልእኽቲ ህወሓትህዝባዊ መንግስትና ንዕውትነት መኸተና!==========================ብኣስታት 2 ነጥቢ 8 ሚልዮን ህዝቢ ዝተመረፀን ውክልና ህዝቢ ትግራይ ዝሓዘን ቤት ምኽሪ...
05/11/2026

ሰሙናዊ መልእኽቲ ህወሓት
ህዝባዊ መንግስትና ንዕውትነት መኸተና!
==========================
ብኣስታት 2 ነጥቢ 8 ሚልዮን ህዝቢ ዝተመረፀን ውክልና ህዝቢ ትግራይ ዝሓዘን ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ካብ 27 ሚያዝያ 2018 ዓ/ም ዕላዊ ስርሑ ጀሚሩ ኣሎ። ፈላሚ ጉባኤኡ ብምክያድ እውን ፕረዚደንት፣ ኣፈ ጉባኤን ምክትል ኣፈጉባኤን ብምምራፅ፣ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምሕላፍን ሞሽን ብምፅዳቕን ብዓወት ተዛዚሙ ኣሎ። ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ንስምምዕ ፕሪቶርያ ስዒቡ ምእንተ ሰላም ተወንዚፉ ዝፀንሐ እዩ። ስርዓት ብልፅግና ንስምምዕ ፕሪቶርያ ሙሉእ ብሙሉእ ስለዘፍረሶ ድማ እቲ ተወንዚፉ ዝፀንሐ ቤት ምኽሪ ህዝቢ ትግራይ ናብ ስርሑ ክምለስ ግድን ስለዝኾነ ብዕሊ ተመሊሱ ስርሑ ጀሚሩ ኣሎ።

ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ከምቶም ካልኦት ትካላት ህዝቢ ትግራይ ህልውንኡ ከብቅዕን ንኽብተንን ብውሽጥን ደገን ዝተዋደደ ወፍሪ ክካየደሉ ዝፀንሐ እዩ። እቲ ሕዚ ኣብ ደንበ ፀላኢ ተዓሲቡ ዝርከብ ብሄራዊ ክሕደት ዝፈፀመ ጉጅለ ንቤት ምኽሪ ንምፍራስ ዘይፈንቀሎ እምኒ የለን። ካብዚ ሓሊፉ እውን ዓቕሚ ትግራይ ክበታተን ፀግዒ ፀላኢ ኮይኑ ህዝቢ ትግራይ ብመሰረት ሰምምዕ ፕሪቶርያ፤ ሉእላውነተይ ይመለስ፣ ሞትን ስቓይን የብቅዕ ውሑስ ብዝኾነ መንገዲ ናብ መረበተይ ክምለስ ይገበር፣ተሓታትነት ጀኖሳይድ ይረጋገፅ እንትብል ደላዪ ኵናት ዝብል ሽም እናለጠፈ ኣፍ ኣፍ ሉጓም ክብል እዩ ፀኒሑ። እዚ ድማ ነቲ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንምፅናት ብትልሚ ዝሰርሕ ዘሎ ስርዓት ብልፅግና ምችው ኩነታት ዝፈጠረን ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ድማ ካብ ዝገደደ ናብ ዝበኣሰ ዘንቆልቁለሉ ባይታ ፈጢሩ ፀኒሑ እዩ።

ሻድሻይ ዘመን ሻድሻይ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ንምዕንቃፍ የኽእሉ እዮም ዝተበሃሉ ኩሎም መንገድታት ካብ ውሽጥን ደገን ብዝተዋደደ መንገዲ ተፈቲኖም እዮም። ኣብ ድርኡ ህዝብናን ኣባላት ቤት ምኽሪን ንምርዓድ ተቶኳሲ ክፍንጀር ተጌሩ፣ ድሮናት ስርዓት ብልፅግና ኣብ ሰማያት መቐለ ክዝንብያ ዝቐነያ ኮይነን እቲ ጉባኤ ኣብ ዝካየደሉ ሰዓት ድማ ነፋሪት ውግእ ብምልኣኽ ከተዓናቕፎ ፈቲኑ እዩ። እንተኾነ ግን ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ይኹን መሪሕነትና መስዋእቲ ዝኽፈል እንተኾይኑ እውን ንመሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ዝኽፈል መስዋእቲ እዩ ብምባል ኣብ ክውስንዎም ዝሓዝዎም ኣጀንዳታት ዘትዮም ጉባኤኦም ብዓወት ዛዚሞም እዮም።

ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ፈፃሚ ኣካል መዲቡ እናሰርሐ ክፀንሕ ቤት ምኽሪ ብዝሃቦ ሓላፍነት መሰረት እውን ፈላሚ ኣኼባ ካቢኔ ብምግባር ዕላዊ ስርሑ ጀሚሩ እዩ። ምምላስ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ መቃለሲ ማእኸል ክህልዎ ዘኽእል እዩ። ትግራይ ስሩዕ መንግስታዊ ቁመና ብዘለዎ መንግስቲ ክትመሓደርን ኣብ ፈፃሚ ኣካል ቀፃሊ ዝኾነ ቁፅፅርን ተሓታትነትን ክሰፍን ዝገብር እዩ። እቲ ቀንዲ ድማ ዓቕምታት ትግራይ ብምውዳብ ብሄራዊ ትካላት ህዝቢ ትግራይ ነቲ ከም ህዝቢ ገጢሙና ዘሎ ሓደጋ ዝምጥን ቁመናን ምውዳድን ፈጢረን ክሰርሓ ዘኽእል እዩ። ብሓፈሻ ድማ እቲ ብዝተዋደደ መንገዲ ክብተን ክስረሐሉ ዝፀንሐ ዓቕምታተ ትግራይ ክእከብ፣ ንዝመፁ ብድሆታት ክምክት ዘኽእል ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ። በዚ እውን ሉእላዊ ወሰን ትግራይ ክኽበር፣ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ዝቕተሉን ዝግፍዑን ዘለዉ ወገናትና ሓራ ክወፁ፣ ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ወገናትና ናብ መረበቶም ክምለሱ፣ ተሓታትነት ፈፀምቲ ጀኖሳይድ ክረጋገፅ፣ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ክጅመር ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ኣንፀላልይዎ ካብ ዘሎ ሓደጋ ህልውና ወፅዩ ውሕሰንኡ ክረጋገፅ ዘኽእል ቃልሲ ክካየድ ባይታ ዝፈጥር እዩ። ዘተን ድርድርን ንምክያድ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እውን ተወሳኺ ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ።
መላእ ህዝቢ ትግራይ ንሰላም ካብ ዘለካ ባህጊ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክፍፀም ብዓቕልን ትዕግስትን ክትሓትት ፀኒሕኻ ኢኻ። እንተኾነ ግን ስርዓት ብልፅግና ነቲ ስምምዕ ከም ካሊእ መልክዕ ጀኖሳይድ እናተጠቀመሉ ብምፅናሕ ሕዚ ድማ ጠቕሊሉ ኣፍሪስዎ ኣሎ። ሕዚ እውን ከም ቀደምካ ነቲ ኣንፀላልዩካ ዘሎ ሓደጋ ህልውና ንምውሓስ ኣብ ጎኒ መንግስትኻን መሪሕ ውድብካ ህወሓትን ዓሲልካ ወሳናይ ተራኻ ከም ትዋፃእ ኣየጠራጥርን። ነቶም ዓቕሚ ፈጢርካ ክብዚ ሓደጋ ከይትወፅእ ብቐፃሊ ኣብ ሓድነትካን ውዳበታትካን ትኹረት ብምግባር ዝግበሩ ዘለዉ ናይ ወሽጥን ደገን ወፍርታት ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብምቅላስ ነቲ ዘይተርፍ ዓወትካ ዘቀላጥፍ ቃልሲ ክትገብር ይግባእ።

ምምላስ ተወንዚፉ ዝፀንሐ ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ምስ ኵናትን ወረ ኵናትን ፍፁም ዘተኣሳስር የብሉን። ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ሕዚ እውን ቅዋሞም ኩሎም ኣፈለላያት ብዘተን ድርድርን ክፍትሑ ኣለዎም ዝብል እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ናብ ስርሑ ምምላስ ብዝኾነ ይኹን መልክዕ መንቀሊ ኵናት እዩ ኢልና ከምዘይንኣምን በዚ ኣጋጣሚ ክንገልፅ ንደሊ።

ህዝባዊ መንግስትና ንመኸተና!
ዘለኣለማዊ ዝኽርን መጎስን ንስውኣትና!
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ!
3 ጉንበት 2018 ዓ/ም

ዩኒቨርስቲ መቐለ ዓለም ለኸ ሳይንሳዊ ኮንፈረንስ ከካይድ እዩዩኒቨርስቲ መቐለ ምስ ኢንስቲትዩት ክሌይሜትን ሶሳይትን (ICS) ብምትሕብባር፣ ካብ 6 ጉንበት ክሳብ 7 ጉንበት 2018 ዓ.ም ዝፀ...
05/11/2026

ዩኒቨርስቲ መቐለ ዓለም ለኸ ሳይንሳዊ ኮንፈረንስ ከካይድ እዩ

ዩኒቨርስቲ መቐለ ምስ ኢንስቲትዩት ክሌይሜትን ሶሳይትን (ICS) ብምትሕብባር፣ ካብ 6 ጉንበት ክሳብ 7 ጉንበት 2018 ዓ.ም ዝፀንሕ ዓብይ ዓለም ለኸ ሳይንሳዊ ኮንፈረንስ ከምዘዳለወ ሞሞና ኤፍኤም 96.4 ፀብፂቡ።

እዚ "Synergies for Sustainable Futures: Integrating Biodiversity Conservation, Ecotourism, and Climate Resilience" ብዝብል መሪሕ ቃል ዝካየድ ኮንፈረንስ፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝተውፃእፅኡ ሳይንቲስታትን ተመራማሪታትን ዝሳተፉሉ መድረኽ እዩ።

ዲን ኮሌጅ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ፕሮፌሰር ግርማይ ገብረሳሙኤልን ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ክሌይሜትን ሶሳይትን ዶ/ር ትዕግስት ኣርኣያን ንሚድያታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ እቲ መርሃ-ግብሪ ብኣካልን ብኦንላይን (Virtual) ብዝግበር ተሳትፎ ዝካየድ ብምዃኑ ሰፊሕ ናይ ፍልጠት ልውውጥ ንኽህሉ ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ቀንዲ ትኹረት እቲ ምርምር ድማ ኣብ ዕቀባ ብዝሃ-ህይወት፣ ስነ-ምህዳራዊ ቱሪዝም (Ecotourism) ከምኡ እውን ንለውጢ ኣየር ዝፃወር ዓቕሚ ምክልኻል ምህናፅ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ዝተኮረ እዩ።

እዚ ኮንፈረንስ ዩኒቨርስቲ መቐለ ምስ ከም German Cooperation, World Vision, WeForest ዝበሉ ዓለም ለኸ መሻርክቱ ዘለዎ ምሕዝነት ዘደልድል እንትኸውን፣ ንለውጢ ኣየር ምላሽ ዝኾኑ ሓደሽቲ ሳይንሳዊ ፈጠራታት ዝካፈሉሉ መድረኽ ክኸውን እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ዕቀባ ሃፍቲ ተፈጥሮን ቱሪዝምን ንዝሰርሑ ኣካላት ከም ግብኣት ፖሊሲ ዘገልግሉ መፅናዕትታት ብምቕራብ፣ ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብ ምርምርን ግልጋሎት ማሕበረሰብን ዘለዎ ዓለም ለኸ ተራ ዘጉልህ ምዃኑ ሞሞና ኤፍኤም 96.4 ኣብ ፀብፃቡ ገሊፁ።

ላዛ ትግርኛ
03 ጉንበት 2018 ዓ.ም
መቐለ

ቅሉዕ ደብዳበ  ንኣምባሳደራት ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ካብ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ
05/09/2026

ቅሉዕ ደብዳበ ንኣምባሳደራት ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ካብ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ

ፋና መናእሰይን ዶ/ር ሓለፎም ገዛኢን ኣብ ውድድር ኣፍሪካ ተሓፅዮም፤ መላእ ህዝቢ ድምፁ ክህብ ፃውዒት ቀሪቡማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይን ኣቦ መንበር ቦርድ እቲ ማሕበ...
05/09/2026

ፋና መናእሰይን ዶ/ር ሓለፎም ገዛኢን ኣብ ውድድር ኣፍሪካ ተሓፅዮም፤ መላእ ህዝቢ ድምፁ ክህብ ፃውዒት ቀሪቡ

ማሕበር ሕብረት ስራሕ ዕቋርን ልቓሕን ፋና መናእሰይን ኣቦ መንበር ቦርድ እቲ ማሕበር ዶ/ር ሓለፎም ገዛኢን፤ ብብርኪ ኣፍሪካ ኣብ ዝካየድ ውድድር ትካላት ሕብረት ስራሕ (ICA Africa Cooperative Excellence Awards 2026) ተሓፅዮም ኣብ ንሕንሕ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ማሕበር ኣይተ ጎይትኦም ተስፋይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከምዘሓበርዎ፤ ፋና መናእሰይ "ንብሉፅ 30 ትካላት ዕቋርን ልቓሕን ኣፍሪካ" ፣ ዶ/ር ሓለፎም ድማ "ንብሉፅ 50 ፅልዋ ፈጠርቲ መራሕቲ ሕብረት ስራሕ ኣፍሪካ" ተወዳደርቲ ኮይኖም ቀሪቦም ኣለው።

ኣይተ ጎይትኦም ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ማሕበር ካብ ስሩዕ ፋይናንሳዊ ስርሑ ወፃኢ ኣብ እዋን ወራር ኣምበጣ፣ ድርቂ ቆላ ተምቤንን ከቢድ ኲናት ትግራይን ንተፈናቐልቲ ወገናት ካብ ሽረ ክሳብ መቐለ ዘድሊ ናይ ህይወት ምድሓን ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ምቕራብ ዓብይ ተራ ተፃዊቱ እዩ። ድሕሪ ኲናት እውን ኩነታት ተፃዊሩ ብምቕፃል ልዕሊ 54,000 ኣባላት ዘፍረየ ክኸውን ከሎ፣ ልዕሊ 2.70 ቢልዮን ብር ሃፍቲ ብምውናንን 3.8 ቢልዮን ብር ልቓሕ ብምሃብን ኣብ ትግራይ ናይ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ምልዕዓል ንክፍጠር መሪሕ ተራ ተፃዊቱ እዩ።

ኣቦ መንበር ቦርድ እቲ ማሕበር ዶ/ር ሓለፎም ገዛኢ፤ ብዘለዎም ልዑል ናይ ትምህርቲ ብርኪ (ፒ.ኤች.ዲ)፣ ዘሕተምዎም 6 መፃሕፍትን 5 ናይ ምርምር ፅሑፋትን፣ ከምኡ እውን ኣብ ትካል 'Imagine 1 Day' ዳይሬክተር ኮይኖም እንተለው ልዕሊ 300 ኣብያተ ትምህርቲ ዘስረሑን ሐዚ ድማ ብብርኪ ዓለም ሓላፊ ፕሮግራማት (Chief Program Officer) ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለው ዓለም-ለኻዊ ብቕዓት ዘለዎም መራሒ ምዃኖም ተገሊፁ።
ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ዘሎ ግንዛበ ትሑት ምዃኑ ዝሓበሩ ኣይተ ጎይትኦም፤ እዚ ውድድር እወንታዊ ምስሊ ትግራይ ኣብ ዓለም ንምርኣይ ዓብይ ዕድል ስለዝኾነ ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ኮይኑ ድምፁ ንክህብ ፀዊዖም።
ድምፂ ንምሃብ ድማ እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሊንክ ምጥቃም ከምዝክኣል ተሓቢሩ።
👉 https://icoop.ai/awards/ica-africa-2026/vote

ላዛ ትግርኛ
01 ጉንበት 2018 ዓ.ም
መቐለ

ስርዓተ ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቅዓት ምላሽ ንምሃብ "ግልጋሎት ነፃ ስልኪ 6244" ንምጥቃም ዕላዊ ከምዝተገበረ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ።ብምትሕብባር ቢሮ ጥዕና ትግራይን "Harambee Co...
05/09/2026

ስርዓተ ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቅዓት ምላሽ ንምሃብ "ግልጋሎት ነፃ ስልኪ 6244" ንምጥቃም ዕላዊ ከምዝተገበረ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ።

ብምትሕብባር ቢሮ ጥዕና ትግራይን "Harambee Collective" ዝተብሃለ ብደቂ ኣነስትዮ ዝምራሕ ኣብ ኣሜሪካ ዝተመስረተ ገባሪ ሰናይ ነፃ ግልጋሎት ስልኪ 6244 ብምጥቃም ስርዓተ ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቅዓት ምላሽ ንምሃብ ዝተመስረተ ውፅኢት ቴክኖሎጂ ከምዝኾነ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ገሊፆም።

ስርዓተ ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቅዓት ምላሽ ንምሃብ ኢሉ እውን ሚስጥራውን ተበፃሕን ሓገዝ ስነ-ልቦና ንምርካብን ናብ ጥዕና ሕግን ከለላን ንምሃብ ዝሕግዝ ግልጋሎት እዩ ኢሎም ዶክተር ኣማኑኤል።

ኣብ ትግራይ ኣብ ብዙሓት ደቂ ኣነስትዮ ፆታዊ መጥቃዕቲ በፂሑ እዩ ዝበሉ ዶክተር ኣማኑኤ መጥቃዕቲ ዝበፅሐን ደቂ ኣነስትዮ ብማሕበረሰብ ከይግለላ ናብ ቢሮ ጥዕና ይኹን ናብ ሕጊ ኣብ ምቅራብ ፀገም ከምዝነበረን ሓቢሮም።

ግልጋሎት ነፃ ስልኪ 6244 ዝህብ ሰብ ሞያ ከምዝተቆፀረ ዝገለፁ ዶክተር ኣማኒኤል እቲ ኣሰራርሓ ብናይ ባዕለን ድሌት ሚስጥራዊ፣ ብዝኾነ ከምዝስራሕ እውን ግልፂ ገይሮም።

ኣብ መወዳእታ እቲ ግልጋሎት ንምሃብ ንሓደ ሴክተር ዝሕደግ ዘይኮነስ ኩሉ ተሓጋጊዙ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅሐን ደቂ ኣነስትዮ ንምሕዋይ ብምትሕግጋዝ ዝስረሐሉን ሕውየተን ዝረጋገፃሉን ኣሰራርሓ ውፅኢት ቴክኖሎጂ ምዃኑ ዶክተር ኣማኑኤል ኣብሪሆም።

ፍልፍል: ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ትግራይ
01 ጉንበት 2018 ዓ/ም
መቐለ

ኣብዚ ቀረባ ማዓልታት ዝተፈጠረ ኩነታት ሰዒቡ ክመፅእ ዝኽእል ሳዕቤን ጉድኣትን ንምትራፍ፣  እቲ ሽግር ብናይ ተጋሩ ልዝብን ሓበራዊ ምርድዳእን ክፍታሕ ንዝቐረበ ፃውዒት ንጎኒ ብምግዳፍ፣  ተመ...
05/08/2026

ኣብዚ ቀረባ ማዓልታት ዝተፈጠረ ኩነታት ሰዒቡ ክመፅእ ዝኽእል ሳዕቤን ጉድኣትን ንምትራፍ፣ እቲ ሽግር ብናይ ተጋሩ ልዝብን ሓበራዊ ምርድዳእን ክፍታሕ ንዝቐረበ ፃውዒት ንጎኒ ብምግዳፍ፣ ተመሪፀ እየ ዝብል ኣካል ሎሚ ሚያዝያ 30/2018 ዓ/ም ብናይ ፀጥታ ኣካላት ሓለዋ ተገይርሎም፣ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናይ ካቢኔ ኣኼባ ጀሚሮም ኣለው። እዙይ ከዓ ናይ ቀፃሊ ሓደገኛ መንገዲ ዝተጀመረሉ ዕለት ስለዝኾነ፣ በዙይ ምኽንያት ንዝስዕብ ሳዕቤን ተሓታቲ ፣ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ብጉልበት ዝሕዝ ዘሎ ሓይሊ ምዃኑ ክገልፅ ይደሊ።


ታደሰ ወረደ (ሌጀ)
ፕረዚደንንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
ሚያዝያ 30/2018
መቐለ

ፍልፍል: ቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንት

27 ሚያዝያ 18 ዓ.ም ብዕሊ ስርሑ ዝጀመረ ቤት ምኽሪ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚኪኤል ፕሬዚደንት መንግስቲ ትግራይ ጌሩ ድሕሪ ምምራፁ ካቢኔ ምንግስቲ ትግራይ ሎሚ ፈላማይ ኣኼቢኡ ኣካ...
05/08/2026

27 ሚያዝያ 18 ዓ.ም ብዕሊ ስርሑ ዝጀመረ ቤት ምኽሪ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚኪኤል ፕሬዚደንት መንግስቲ ትግራይ ጌሩ ድሕሪ ምምራፁ ካቢኔ ምንግስቲ ትግራይ ሎሚ ፈላማይ ኣኼቢኡ ኣካይዱ እዩ።

እቲ ካቢኔ ኣብ ኣኼብኡ ኣብ ህልው ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ዘትዩ።

ፍልፍል: ድወት

ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ካብ 28 - 29 ሚያዝያ 2018 ዓ/ም ርክበ ካህናት ክካየድ ዝቐነየ ምልኣተ ጉባኤ በዓል 12 ቅዋም መግለፂ ዛዚሙ።
05/07/2026

ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ካብ 28 - 29 ሚያዝያ 2018 ዓ/ም ርክበ ካህናት ክካየድ ዝቐነየ ምልኣተ ጉባኤ በዓል 12 ቅዋም መግለፂ ዛዚሙ።

መልእኽቲ ካብ ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይማሕበርና ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ ኣብቲ ሕሉፍ ፅንወተታዊ ኩናት ወለዶም ንዝሰኣኑ 2000 ዝኾኑ ኣዐርዮም ንዝተፀገሙ ትሕቲ ዕድ...
05/07/2026

መልእኽቲ ካብ ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ

ማሕበርና ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ ኣብቲ ሕሉፍ ፅንወተታዊ ኩናት ወለዶም ንዝሰኣኑ 2000 ዝኾኑ ኣዐርዮም ንዝተፀገሙ ትሕቲ ዕድመ ህፃናት ውሑስ ሂወት ንምርግጋፅ ዓሊሙ ዝተጀመረ ናይ ቶምቦላ ሕድሪ ሎተሪ እቲ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ትግራይ መሰረት ብምግባር ናይ ቶምቦላ ሕድሪ ትኬት መሸጣ ፍቓድ ካብ ሚያዝያ 30/2018 ዓ/ም ናብ ሰነ 13/2018 ዓ/ም ክናዋሕ ንዘምልከቶ ሕጋዊ ኣካል ናይ መናወሒ ፍቓድ ሓቲትና እወንታዊ ግብረ መልሲ ረኺብና ስለዘለና ክሳብ ዕለት 13 ሰነ 2018 ዓ/ም ተናዊሑ ከምዘሎ ንህዝብና ክንሕብርን መሸጠና ክሳብ ሽዑ ከምዝቕፅልን ክንገልፅ ንፈቱ።

ኣብተን ተሪፈናና ዘለዋ ሰሙናት ቶምቦላ ሕድሪ ካብ ኤሌክትሪክ ናይ ገዛ መኪና ጀሚሩ ሸሞንተ ዝተፈላለዩ ዕፃታት ዘለዎ ብምዃኑ ዝነኣሰት ንሓንቲ ትኬት ዋጋ ካብ 100 ብር ጀሚርኩም ብምግዛእ ብሓደ ገፅ ዕድልኩም እናፈተንኩም ብኻሊእ ገፅ ድማ ኣብዚ ቅዱስ ዕላማ ዜጋነታዊ ግቡእኹም ክትዋፅኡ ፃውዒትና ከነቕርብ ንፈቱ።
• ዕፃ ዝወፅኣሉ ግዜ: ኣብ ድሮ መዓልቲ ሰማእታት 14 ሰነ 2018 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:00 ድሕሪ ሰዓት
• ዕፃ ዝወፅኣሉ ቦታ: ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ!

ማሕበር ደቂ ስውኣት ትጋደልቲ ትግራይ
29 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም
መቐለ

05/07/2026

"ህልውና ግዚያዊ መንግስቲ ካብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ተነፂሉ ኣይርአን"

Address

18 Wentworth Ter
Boston, MA
02108

Telephone

+251962190971

Website

http://www.lazainternational.com/

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ላዛ ትግርኛ Laza Tigrigna posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to ላዛ ትግርኛ Laza Tigrigna:

Share

Category