KIROS Alemayehu

KIROS Alemayehu ለትግራይ ህዝብ ደሕንነት እንታገላለን Tigray First

እዙ ኩሉ ንብረት ናበይ እዩ ልኸድሎ
01/02/2026

እዙ ኩሉ ንብረት ናበይ እዩ ልኸድሎ

05/01/2025

ሰላም

ኣብ ውቕሮ ለለዉ ሰተይቲ ኣብ ኣደባባይ ጠራሙዝ ቢራ ኣምሓሩ ደርዲሮም ተለይተርእዮም ልሰትዩዎ ቢራ ማይ ገረብ ድዩ ልጥዕሞም? ነጋዶኳ ከም ኩሉ ነጋዳይ ትግራይ መሕለፊ እግረኛ ዓፅ ጭንቕንቕ ተ...
22/08/2024

ኣብ ውቕሮ ለለዉ ሰተይቲ ኣብ ኣደባባይ ጠራሙዝ ቢራ ኣምሓሩ ደርዲሮም ተለይተርእዮም ልሰትዩዎ ቢራ ማይ ገረብ ድዩ ልጥዕሞም?
ነጋዶኳ ከም ኩሉ ነጋዳይ ትግራይ መሕለፊ እግረኛ ዓፅ ጭንቕንቕ ተለይፈጢሮም ንግዶም ትርፊ ልግነዮ ኣይመስሎምይ።

20/07/2024
09/07/2024

ንስኻ ግዲ ኣይኮንካን
==============
ከንፈርካ ኣክብ ኢድካ ስሓቦ
ኣይትህጸጽ ግዜ ንሃቦ
ጥዑም ቃል ግዳ ኣስመዐኒ
ናብ ካልእ ኣይተዳፍአኒ

ምሽ ኣብ ፌስቡክ ጸጽቡቑ እናጸሓፍካ
ለሚንካ ኣበሃሂልካ ስልከይ ወሲድካ
ዕብድ ከምትብለለይ ትነግረኒ ነይርካ?
ንስኻ ዶ ኣይኮንካን፣ ሕጂ እንታይ ተሎጊምካ፡፡

ኣታ ኣዕልል እንዶ ብኣፍካ በቲ ልሳንካ ፡
ውርዝይ ኢልካ ተቐመጥ ኢድካ ኣኪብካ፡
ኣፍጢጥካ ትጥምተኒ እንታይ ኣቕሚጥካ ኣብ ነብሰይ?
ከም ሓላዊ ንብረት ሓደራ ከሊእኻኒ 'ምበር ድቃሰይ

ዓይንኻ'ባ ኣልዕል ካብ ኣፍ ልበይ
ኣእዳውካ ኣርንብ ካብ ኣስላፈይ
ሰብኣይ እንዶ ምሰል ናብ ውሻጠ ኣይትቀዳደም
ገና ዕርፍ ከይበልናስ ናበይ ትብል ሃደምደም?

ኣታ ኣነ ኣውሪዱለይ ነጠባ እምበር ሰዲዱለይ
እቲ ሜሰንጀር ትጽሕፈለይ ዋትስኣፕ ትድውለለይ
ንስኻ ግዲ ኣይኮንካን ኣነ እየ ተጋግየ
ዝናበብ ስኢነልካ ናብ ዘይኮነ ግዲ እየ ኣትየ፡፡

አረ ኢድካ ኣርንቦ ከንፈርካ ኣክበለይ
ኣይ ዕለት ኣይሰሙን ነብስኻ'ኮ ኣውዲቕካለይ
ዝረኣየ እንታይ ይብል ሆስፒታል ድየ ዘለኹ
ነብስኻ ባ ክኣለለይ የላዕል ድየ ዘለኹ?

እውይ ኣነ ጠንቀምቀም ዘይረኽቦ'ባ ዘየለ
ኣታ ንዑ ኣልዕሉለይ ኣብ ሑቕፈይ ዝርር ከይበለ
ሰብ ረኺበ መጺአስ ብፌስቡክ ተጀንጂነ
ኣብ ኣጥባተይ ደቂሱ ኢደይ ረስኑ ምስ ዓቀነ

Kiflom Ghirmawi
2010

Address

Mombasa

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when KIROS Alemayehu posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Category