09/05/2026
መልእኽቲ ናይ ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ከምዚ እዩ፡ ኣየ፣ ህዝበይ እንተ ዚሰምዓኒ፡ ብመገደይ ከአ እንተዝኸይድ ንጸላእቶም ቀልጢፈ መዋረድክዎም፡ በረኸት ብምእዛዝ እዩ ዝጅምር፡ ኣምላኽ ክጽውዓና ኸሎ ብገዛእ ሓይልና ወይ ጥበብና ክንስዕር ኣይኮነ፡ መጀመርታ ድምጹ ክንደሊ፡ ድሕሪኡ ከኣ ንትእዛዛቱ ክንስዕብን ርእስና ከነወፍን እዩ: እንተደኣ ብኸምዚ መንገዲ ተኣዚዝናዮ ዓወትና ውሑስ እዩ።
*ነስተውዕል*፣ ቅድሚ ምስ ጸላኢ ምግጣምና: መጀምርታ ንጎይታ ርእስና ኣግዚእና ንኸይድ ምህላውና ከነረጋግጽ ይግበኣና እዩ :ምኽንያቱ ትምክሕትና ኣብ ርእስና ዘይኮነስ ኣብ የሱስ ናዝራዊ እዩ፡ እቲ ንጸላእትና ዝሰዓረን ንዓና ከኣ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ክንገብር ዘለማመደና እዩ።
*ጸሎት*፣ ጎይታ የሱስ: ሆይ፡ ድምጽኻ ክሰምዕ ጸጋኻ ሃበኒ: ሓይሊ ንኽእዘዘካ ድማ ሓይሊ: ንመንገድታትካ ብእሙንነት ክስዕበካ ከኣ *ትሑት* ልቢ ሃበኒ። ኣሜን።